ኣብዚ ገጽ
ናይ ነዋሕቲ ፓላሶታት ዳግም ሕንጸት
መስከረም 2024
ዓብዪ ህንጸት ኣባይቲ እቲ ቀጻሊ ዓብዪ ስጕምቲ ይወስድ
ፍለሚንግተን ከምኡውን ኖርዝ ሜልቦርን
እቲ ጉጅለ ኣገዓዓዝቲ ንሓገዝኩም ኣብቲ ስፍራ ኣሎ
ካልኦት ግምብታት
ኣብ ከባቢ ማሕበራዊ ኣባይቲ
ናይ ማሕበረሰብ ጋዜጣ
ሓምለ 2024
ኣብዚ ሕታም ብዛዕባ ተኻረይቲ ናብ ሓድሽ ገዝኦም ዝምለሱን ምስ ተኻረይቲ ዝግበር ምትእስሳር ክብርታትን መትከላትን ኣንብብ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ናይ ላዕለዎት ደርብታት ዳግመ-ልምዓት ናይ ግዜ መስመርን ጽገናን ዝያዳ ፍለጥ።
ሕዳር 2024
ኣብዛ ሕታም እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጎደና ቪክቶርያ፣ ፍለሚንግተን ከምኡ እውን ጎደና ኣቦትስፎርድ፣ ኖርዝ መልበርን ዝርከብ ሓደስቲ ኣባይቲ ንምድላው ዝገበርናዮ መደባት ኣንብብ። ንተኻረይቲ እቲ ኣብ ኖርዝ መልበርንን ፍለሚንግተንን ዝርከብ ነዋሕቲ ፓላሶታት እንዳሓገዙ ካብ ዝርከቡ ናይ ምግዓዝ ሰራሕተኛታትን ሓደ ንዝኾነ ክሪስ እውን ፍለጦ።
ታሕሳስ 2023
ኣብዛ ሕታም እዚኣ ኣብ ካርልተን ንመጀመርታ ግዜ ዝተገብረ ናይ ፓላሶታት ዳግም ህንጸት ከምኡውን ነቲ ኣብ ፕራሃን፣ ሳውዝ ያራ ፖርት ሜልበርን ከምኡውን ሃምፕተን ኢስት ዝርከብ ናይ ዓብዪ ኣባይቲ ህንጸት ምቕጻል ዛአማሰለ ናይ ሓደስቲ ኣባይቲ ምስራሕ መደብ ትጽብጽብ። እዚ ዅሉ ንብዙሓት ቪክቶርያውያን ብዙሕን ዝሓሸን ኣባይቲ የብጽሓሎም።
ብተወሳኺውን ናይ ተኻረይቲ ድምጺ ነቲ ናይ ፓላሶታት ዳግም ህንጸት ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ ንሽፍን ኢና።
ሕዳር 2023
ነቶም ተኻረይቲና ዘመናውን ምቹውን ቀጻልነት ዘለዎን ኣባይቲ ንምብጻሕ 44 ነዋሕቲ ፓላሶታት ህዝባዊ ኣባይቲ ጡረታ ንኽንወጽእ ስጕምትታት ክንወስድ ጀሚርና ኣለና።
ተኻራያይ ሓድሽ ሓበሬታ
ፍለሚንግተን ከምኡውን ኖርዝ ሜልቦርን - ጥሪ 2024
ሆምስ ቪክቶርያ ነቲ 44 ናይ ቀደም ነዋሕቲ ፓላሶታት ህዝባዊ ኣባይቲ ጡረታ የወጽእ ኣሎ፣ እዚ ድማ ዘመናውን ምቹውን ኣብ ጥቓ መጓዓዝያን ኣብያተ-ትምህርትን ስራሕን ኣገልግሎትን ዘለዎ ኸባቢ ዝያዳ ኣባይቲ ንቪክቶርያውያን ንምህናጽ እዩ። ስድራ ቤታት ካብ 12 ሆላንድ ኮርትን ካብ 120 ሬስኮርስ ሮድ ፍለሚንግተን ከምኡውን 33 ኣልፍረድ ስትሪት ኖርዝ ሜልቦርን ምስ ገዓዙ ሓደስቲ ኣባይቲ ክህነጽ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ቀረብ ሓደስቲ ኣባይቲ ኽጅመር እዩ።
ፍለሚንግተን ከምኡውን ኖርዝ ሜልቦርን - ሕዳር 2023
ነቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላታት ዝተኣከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ፍለሚንግተንን ኖርዝ ሜልበርን ተኻረይቲ ከምኡውን ነቶም ዘዘራረቡናን ብብዙሕ መገድታት ርእይቶ ዝሃቡናን ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ነመስግን። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ሕቶታትኩም ምስማዕናን ምሳኹም ምዝራብናን ሓጊዙኒ እዩ።